Back to top

BIO Tigrinya

ኣካላዊ ወይ ስነ-ህይወታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ጓሓፍ

ኣካላዊ ወይ ስነ-ህይወታዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ጓሓፍ፡ ኤሌክትሪካዊ ጸዓት ኰነ ሙቐት ንምምንጫው፡ ከምኡ’ውን ትሕዝቶ ሓመድ ንምህብታም የገልግል።

ፍሩታታትን ኣሕምልትን፡ ሳዕሪ፡ ኣቝጽልቲ፡ ጨናፍር ኣትክልቲ፡ ናይ ቫዞ ዝትክልቲ ሓመድ፡ ከምኡ’ውን ተረፍ-መረፍ መግቢ፡ ስነ-ህይወታዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ጓሓፋት ንምእካብ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ በርሚል ክድርበዩ ይግባእ።

ዝዀነ ይኹን ዓይነት ፕላስቲካዊ፡ ሓጺናዊ ድዩስ ናይ ናይ ጥርሙስ ጠባይ ዘለዎ ነገር ናብ’ዚ ስነ-ህይወታዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ጓሓፋት ንምእካብ ተባሂሉ ዝተዳለወ በርሚል ክድርበ ኣይግባእን።